ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔ-ኣለም ኣኽሩር እንታይ እዩ ተፈጺሙ?

መንእሰያት ካብ ውሽጢ 'ቲ ቤተክርስትያን ተገፊፎም እናተወስዱ

ምንጪ ስእሊ, Social Media

ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ-ኣለም ኣኽሩር ብምእታው ነቶም ኣብ ጸሎት ዝነበሩ መንእሰያት ከምዝገፈፍዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ወተሃደራት ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝጸንሕዎም ድያቆናትን መዘምራንን ኣገልገልቲ'ቲ ቤተክርስትያን ከይተረፈ ከምዘይገደፉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ ቅድሚ ወርሒ ኣትሒዙ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ጽንዓደግለ ዓስኪሮም ነቶም ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ዝበልዎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ነቶም ዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ናብ ሳዋ ዘይወረዱ መንእሰያት ክገፉ ከምዝቐነዩ ኣብ ቢቢሲ ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ኮብሊሎም ንዝብልዎም መንእሰያት ንምግፋፍ ዝተዋፈሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ዓስኪሮም ዘለው ኣባላት ሰራዊት፡ ንስድራቤት እቶም ዘይረኸብዎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ኣባይቶም ብምውጻእ፡ ነቲ ገዛውቲ ብናቶም መፋትሕ ብምዕጻው ነቶም ስድራቤታት የከላብትዎም ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ይሳተፍ ከምዘሎ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ መንእሰያት ይገፍፍን ንስድራቤታቶም የከላብትን ከምዘሎ ስድራ ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ተወላዲ እታ ዓዲ መንእሰይ ፍጹም፡ እቲ ስርዓት፡ ጥሪትን ጤለበጊዕን ናይቶም "ደቅኹም ኮብሊሎም" ዝብሎም ስድራ ቤታት ንበረኻ ከይወፍራ ኣብ ደምበ ብምድጓን፡ “ነተን ጥሪት ብጥሜትን ጽምእን ዓዕ የብሉወን” ከምዘለው ብተወሳኺ ይሕብር።

ኣብ ስድራቤቶምን ጥሪቶምን ዝወርድ ግፍዕን መከራን ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ሓያሎ መንእሰያትን ኣለይቲ ሰድራን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከኣ፡ ምእንቲ ድሕነት ስድራ ቤቶም ክብሉ ብፍቓዶም ኢዶም ይህቡ ከምዘለው እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ሓያሎ ካብዞም ሕጂ ዝህደኑ ዘለው ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ገሊኦም ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊሎም ፍታሕ ምስ ሰኣኑ ደቈምን ኣረጋውያን ስድራኦምን ንኽጥውሩ  ዝኾብለሉ ከምዝኾኑ ዝሕብር ፍጹም፡ “መንእሰያት ንኽንደይ ዓመት እዮም ሞሳን ጻማን ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ክቝረኑ ዝግደዱ?” ክብል ኣምሪሩ ይዛረብ።

እቶም ንዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ክጣየሱን ናብራኦም ክመርሑን ዕድል ስለዘይረኸቡ፡ ደቈምን ስድራኦምን ክናብዩ ካብቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልገሎት ዝተኣልዩ ኣባላት፡ ኣብ ዘይኣምንሉን ዘይድግፉዎን ኲናት ጐረቤት ክሳተፉ ድሌት ከምዘይብሎም ፍጹም ይሕብር።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ይዋጋእ ከምዘሎ ዝገልጽ ክስታት እኳ እንተሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

እቲ ቤተክርስትያን ብወተሃደራት ተወሪሩ

ምንጪ ስእሊ, Social media

ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝኣመሰላ ኣህጕራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ገደብ  ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቀንዲ ጠንቂ ፍልሰትን ስደትን መንእሰያትን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኵሉ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራትን ትካላት ሰባዊ መሰላትን ብዛዕባ ምሕደራኡ ዝወሃብ ርእይቶ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንምስይጣኑ ዝእለም ውዲትን ምዃኑን እዩ ዝገልጽ።

ወተሃደራት ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ምስ ካሃናት እናተዘራረቡ

ምንጪ ስእሊ, Social Media